ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ሎማዓንቲ የካቲት 1, 2017 ኣ.ግ  ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ተወለድትን ፈተውቲ ልምዓት ብዘትን  መተሓባበርቲ ኮሚቴ ኣብ ደብረዳሞ ሆቴል ተሰብሲብና ነይርና።

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ሎማዓንቲ የካቲት 1, 2017 ኣ.ግ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ተወለድትን ፈተውቲ ልምዓት ብዘትን መተሓባበርቲ ኮሚቴ ኣብ ደብረዳሞ ሆቴል ተሰብሲብና ነይርና።

Author: Unknown | Category: News | Published: Jul 28, 2025

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ሎማዓንቲ የካቲት 1, 2017 ኣ.ግ  ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ተወለድትን ፈተውቲ ልምዓት ብዘትን  መተሓባበርቲ ኮሚቴ ኣብ ደብረዳሞ ሆቴል ተሰብሲብና ነይርና።

እቲ ናይ ሎማዓንቲ ስብሰባና ምምሕዳር ወረዳ ብዘት ብዛዕባ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ትልሚ ገጠር መንገዲ   ካብ ማእኸል ጣብያ ሓጓኣረጋ  ናብ ማእኸል ከተማ ብዘት ንነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ተወለድትን ፈተውትን ልምዓት ብዘትን ዝተውሃበ ኮታ 1.5 ሚልዮን ብር ከመይ ጌርና ነሰባስቦ ዝብል ሓሳብ ተለዋዊጥና ኣብ ስምምዕነት በፂሕና ኣለና።
ብዙይ መሰረት
1. ንቀፃሊ ቀዳም የካቲት 8, 2017 ኣ.ግ ኣብ ደብረ ዳሞ ሆቴል ሳዓት 3:00 ክንራኸብ ተስማዕሚዕና ኣለና፤ ንቀፃሊ ተወለድቲ ብዘትን ፈተውቲ ልምዓት ብዘትን ኣተሓባቢርና እተን ዝተውሃባና ኮታ ክነሳኽዕ፣ መቀሎ ዕዩ ክነካይድ ተስማዕሚዕና ኣለና።

2. ካልአይቲ ኣጀንዳ ኮይና ዝተልዓለት ብዶ/ር መብራህቱ መለስ ብዛዕባ ማሕበር ልምዓት ብዘትን ከባቢኣን ዝምልከት ኮይኑ፤ ሓቋፋይን ንኹሉ ዘሳትፍን ማሕበር ክኸውን ካብ ኩሉ ማሕበረሰብ፤ ኣብ ወፃእን ኣብ ውሽጢ ዓድን ዘሎ  ዝሳተፈሉ ጉባኤ ክካየድ፣ ጉባኤተኛ ተሰባሲቡ ቦርድ ክመርፅ፣ ቦርድ ካዓ ስራሕ ፈፀምቲ ክምድብን ማሕበርና ናይ ባዕሉ ኣታዊ ክውንን ኩሉ ማሕበረሰብና ከሳትፍን ትኹረት ተዋሂብዎ ክስራሕን ኣተሓሳሲቡና ኩላትና ተሳተፍቲ እውን ተስማዕሚዕናሉ ንተግባራውነቱ እውን እጃምና ክነወፍን ኩላትና ውን ናይ ኩላትና ፅላል ዝኾነ ማሕበር ክነጠናኽር ይግባእ ንብል።

ብሓፈሻ ናይ ሎማዓንቲ  ፈላማይ ኣኼባና ሓበራዊ ምርድዳእ ዝበፃሕናሉ  ግልፅነት ዝፈጠርናሉን ንቀፃሊ ስራሕትና ስንቂ ዝረኸብናሉ ዕውት ኣኼባ ነይሩ!!

ብዙይ ኣጋጣሚ ኣብቲ ናይ ሎማዓንቲ ኣኼባ ግዜኹም መስዋእቲ ገይርኩም፣ ንዝተረኸብኩም ዓብይ ኽብርን ምስጋናን  ይግበአኩም !!

ብተወሳኺ'ውን ንባዓል ዋና ደብረ ዳሞ ሆቴል ኣቦና ኣይተ ገብረማርያም ገ/ኹርቶስ ባዓል ዋና ኮይኖም ብሓሳብ ስለዝሓገዙናን  ናይ ስብሰባ ኣዳራሽ ብነፃ ስለዝሃቡናን ብስም መተሓባበርቲ ኮሚቴን ህዝብናን ምስጋና ክነቅርብ ንፈቱ!!

ዝተረሰዐ ሓሳብ እንተሃልዩ ተሳተፍቲ ወስኽሉ!!

ሰናይ ምሸት!!

Back to Blogs